ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ጀርመን: ንቤኣት ትሸፐ (Beate Zschäpe): ዝተባህለት ናዚስት: ንሕልፈት ከም ዝፈረዳ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ዓመተ 2018: 46 ዓመት ዝዕድሜኣ: ትሸፐ: ምስ ክልተ ኣባላት ግብረሽበራዊ ጒጅለ ናዚ (NSU) ብምትሕብባር: ን 9 ስደተኛታትን ሓደ ፖሊስን ምቕታሎም ኣብቲ ፍርዲ ተመልኪቱ።
ትሸፐ: ነቲ ግብረ ሽበራዊ ጉጀለ: ፋይናንሳዊን ሎጂስቲካዊን ሓገዛት ጥራይ ትገብር ከም ዝነበረትን ኣብ ብርክት ዝበለ ራስያ ባንክ ከም እተሳተፈትን ድሕሪ ምእማን: ይግባይ ሓቲታ ኔራ እያ።
ኣብቲ ቅትለት እተፈጸመሉ ቦታ ብኣካል ምንባራ ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ እኳ እንተዘይቀረበ: ሰብመዚ ግና ነዚ ቅትለት ውዒላቶ እያ ኣብ ዝብል ውሳኔኦም ጸኒዖም ኣለዉ።
እቶም ክልተ ካልኦት ገበነኛታት: ኣባላት ግብረ ሽበራውያን ጒጅለታት ኡቨ ሞንድሎስ ከምኡውን ኡቨ ቦንሃርት ( Uwe Mundlos and Uwe Böhnhardt) ኮይኖም: ኣብ ዓመተ 2011: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኸይኣትዋ ብምባል ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፈጸሙ ይዝከር። ብድሕሪ’ዚ ትሸፐ: ነቲ ብሓባር ዝነብርሉ ዝነበሩ ክፍሊ ብምቅጻል: ንገዛእ ርእሳ ንፖሊስ ኢዳ ሂባ ይብል እቲ ጸብጻብ።
እዞም ገበናት: ካብ ዓመተ 2000 ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበረ እዋን ከም ዝተፈጸሙ ጸብጻባት የመልክቱ።