ኣብ ስቶክሆልምን ዮተቦሪን ዝርከባ ኣባይቲ ድኳናት ኤን.ኬ.፡ ጥረ ገንዘብ ምቕባል ደው ከብላ እየን። ኣካያዲ ስራሕ ኤን.ኬ ቦ
ዊካረ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ገበነኛታት ጕጅለታት ኣብ ድኳናቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ እተረክበ ገንዘብ ከይጥቀሙ ንምዕጋት ዝዓለመ
ምዃኑ ይዛረብ። መንእሰይ ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ፡ ድሕሪ እቲ ምርጥቃዕቲ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ
ካብ ኤን.ኬ ክቡር ጃኬት ምስርሑ ተፈሊጡ.። ካብ ዜናታት ጒጅለታት ገበን ከይወጻእና፥ ገበነኛታት ትሕቲ ዕድመ ን 24 ሰዓታት
ኣብ መዳጎኒ ሸላ ከይዕጸዉ ዝከላኸል ሓድሽ ሕጊ እኳ እንተተኣተወ፡ ኣብ ሸላታት ትሕቲ ዕድመ ገበነኛታት ዝግበር ተነጽሎ እናወሰኸ
ይኸይድ ምህላዉ ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ ኣብ 2021 ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ፥ ካብ 15-17 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ገበነኛታት
መዓልታዊ እንተወሓደ ንኣርባዕተ ሰዓታት ካብ ሸላ ክወጹ ክፍቀደሎም ኣለዎ። እቲ ሕጊ ግን ይትግበር ዝይምህላዉ ኣገልግሎት ዜና
ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊላ’ላ።