ኣብ ኣልመዳለን ብሓያል መደረ መራሕቲ ሰልፊታት ዝርአ ዝነበረ ደሚቕ ሃዋሁ ይጠፍእ ኣሎ ክብል ሪፖርተር ፖለቲካዊ ጒዳያት
ሬድዮ ሽወደን ሲ ሆልምግረን ገሊጹ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መዓልታዊ ክልተ መራሕቲ ሰልፊ መደረታት የካይዱ ምህላዎም ዝፍለጥ
እዩ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣወሃሃዲት ሕክምና ስነ-ኣእምሮኣዊ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ኢንግ-ማሪ ዊዘልግረን
ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽንብል ኣልመዳሌን ዓብዪ ድባብ ምሕዳሩ፥ እንተኾነ ግና ሓለዋ ፖሊስ ኣብ ቦትኡ ምህላዉ
ሆልምረን ወሲኹ ኣመልኪቱ።