እዚ ተርእዮ ቊጠባ ሽወደን የንቈልቁል ምህላዉ ዘመልክት እዩ፥ እዚ ድማ ኣሻቓሊ እዩ ክብል ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ። ብመሰረት በዓልመዚ ዕዮ ዝፈነዎ ኣሃዛት ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክነጻጸር ናይ 700 ሰባት ዕቤት ኣርእዩ ኣሎ። ብኣጠቓላሊ ኣብዚ ክረምቲ ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ ተራእዩ’ሎ።
ዝሓለፈ መስከረም 353 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ኰይኖም እዚ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር 11 ሽሕ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ። ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ መጀመርታ 2019 ምጒዳሉ እኳ እንተተነግረሉ ብኣዝዩ ዝሕቱል ግስጋሰ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክውስኽ ከም እተራእየ ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት በዓልመዚ ዕዮ ክሳብ ዝሓለፈ መስከረም ናብ 3900 ዝጽግዑ ሰባት ካብ ስራሕ ምስንባቶም ተገሊጹ’ሎ።