ኣብ ኣፍደገ ሓደ ኣብ ግሩምዝ ዝተባህለ ኣከባቢ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ፡ ትኪ ስለ ዝተፈጥረ፡ ብምልኦም ተማሃሮ ካብቲ ቤት-ትምህርቲ ከምዝወጹ ኮይኖም። መበገሲ ናይ`ቲ ትኪ፡ ባርዕ ከምዘይኮነ `ኳ እንተተፈልጠ፥ ናብቲ ቤት-ትምህርቲ ብዝተደርበየ ናይ ትኪ ቦምባ ምንባሩ ግን ድሒሩ ክረጋገጽ ተኻኢሉ፡፡ ናይ ሓደጋ ባርዕ ጥሩምባ ምስ ተነፍሐ፡ ኩሎም `ቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ከም ዝወጹ ውን ጋዜጣ ኤን. ዳብልዩ.ቲ. ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ጥቓ `ቲ ካፈተርያ ኣብ ዝርከብ ኮረድዮ ብርቱዕ ትኪ ከም ዝነበረን ሓያሎ ተመሃሮን ገለ ካብ ሰራሕተኛታትን ትኪ ንውሽጢ ብምስትንፋሶም ብሰራሕተኛታት ረዲኤት ሕክምናዊ መርመራ ከም ዝተገብረሎም ሓላፊ `ቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ቶማስ ኒልሰን፡ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ፡ ፡
ዋላ `ኳ እቲ ሓደጋ ቀልጢፉ እንተተኣልየ፡ ገና ንካልኦት ከም ዘስግእን ኣካላዊ ጉግኣት ከውርድ ከምዝክእልን ጌርካ ክውሰድ ከም ዝግባእ ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ እቲ ከባቢ ብመንገዲ ድሕረ- ገጻቱ ገሊጹ ነይሩ፡፡
እቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝርከብን እቲ ናይ ትኪ ቦምባ ክድርበ እንከሎ ውን ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ መን ከም ዝነበረን ፖሊስ ጽቡቕ ኣፍልጦ ከም ዘለዎም እቲ መግለጺ ብተወሳኺ የነጽር፡፡