ሃገረ ብሪጣንያ፡ ካብ ዕለት 01 ለካቲት 2020 ጀሚራ፡ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጻኣ፡ ወግዓዊ ከምዝገበረት ይዝከር። እቲ ናይ ምስግጋር እዋን ድማ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2020 ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ እቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝነበሩ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ከምቲ ቅድሚ ምውጻእ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝነበረ መሰል ከስተማቕሩ ምኳኖም ተሓቢሩ።
ብመሰረት ስምምዕ ምውጻእ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝነብርዎ ሃገር፡ ናይ ምንባር፡ ምስራሕን ትምህርትን ካልእን መሰላቶም ሕሉው ክኸውንን እተን ሃገራት ድማ፡ ነዚ ብዝምልከት፡ መንገድታት ከጣጣሓሎም ዝብል እዩ። ባይቶ ሽወደን፡ ካብ 11 ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ነቲ ብብሪጣንያ ዝቐረበ እማመ ከጽድቕ እዩ ድማ ተባሂሉ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮታዊ ሕብረትን ምንባርን ምስራሕን ዝቕጽሉሉ ኣገባብ ክዳሎ እዩ። እዚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተሰምየ ስምምዕ ንዘይተወሰነ ግዜ ከም ዝሰርሕ እቲ ቀንዲ ምስክር ወረቐት ከኣ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዝሕደስ እዩ ክይብል ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ክኢላ ሕጊ፡ ካሚላ ኦዲን፡ ሓቢራ።
ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ፡ ሓደ ኣመልካቲ፡ ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅድሚ 31 ታሕሳስ ናይዛ ዓመት ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ዝጸንሐ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ 1 ታሕሳስ ጀሚሮም፡ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ሕቶ ብመንገዲ ኦንላይን ኣብ ገጻት ኢሚግሬሽን ሽወደን (migrationsverket.se) ብምእታው ከቕርቡ ይኽእሉ እዩም።
ሕቶ መንበሪ ፍቓድ፡ ክሳብ 30 መስከረም 2021፡ ከምዝጸንሕ እማመ መንግስቲ ሽወደን ቀሪቡ። ክሳብ እዚ ዕለት ዝበጽሕ፡ እቶም ኣብ ሽወደን ክነብሩ ዝጸንሑ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝን ስድራቤቶምን፡ ዝነበሮም መሰላት ከይጎደሎም ክጸንሑ እዮም።