ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ መንእሰያት፡ ብዝሖም ድሕሪ ናይ መመረቕታ ጽምብላት ከምዝወሰኸን ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ምብዛሕ ናይዚ ቫይረስ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ክብል ሓላፊ ጥዕና ምምሕዳር ኦስትርዮላንድ፡ሪካርድ ሎንዲን፡ ከም ዝገለጸ SVT ኣመሓላሊፉ።
ምምሕዳር ከተማ ሞታላ እታ ቀዳመይቲ ናይ ተመሃሮ መመረቕታ ጽምብላት ዘካየደት ምዃና ይዝከር። ብድሕሪ ክልተ ሰሙን ናይ’ቲ ጽምብል፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ናይ ምምሕዳር ኦስትርዮላንድ ብዝሒ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ መንእሰያት ከውስኽ ተራእዩ።
ኣብ ከባቢታ ሞታላ ጥራይ ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 19 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት ብቫይረስ ኮሮና ክልከፉ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብብዝሒ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ኮተቴ ኣብ ሆስፒታላት ኣለውና። ክንድዚ ብዝሒ ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ ሕሙማት መንእሰያት ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን እዩ ክብል ሎንዲን ገሊጹ።
እዚ ሙቐት ዝዓብለሎ ክሊማን ምፍኳስ ናይ መገሻ ቀይድታትን ኣብ ምልባዕ ቫይረስ ጽልዋ ነይርዎም እዩ። ስለዚ እቲ ለበዳ ጌና ስለ ዘሎ መምርሒታት ኣሃዱ ጥዕና ከነተግብር ርሕቀት ክንሕሉን ይግበኣና ክብል ሎንዲን ተማሕጺኑ።