![ዴንማርክ፥ ጋግ ጸጋ ዕድመ ጾታታት ይጸብብ ምህላዉ ተመልኪቱ።](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2022/02/danmark-scaled.jpg)
Foto: Fredrik Hagen / NTB scanpix / TT / kod 20520
ኣብ ዴንማርክ መዋእል ዕድመ ዜጋታት ብማእከላይ ገምጋም 79.6 ዓመት ንደቂረባዕትዮ ናይ ደቀንስትዮ ኸኣ 83.4 ዓመት ምዃኑ ሓድሽ ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ እታ ሃገር ኣመልኪቱ። ካብ 1990ታት ንደሓር ንውሓት ዕድመ ዴንማርካውያን ክውስኽ ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እዚ ንክኸውን ምዕባለ ህዝባዊ ጥዕናን ኣማራጺታትን ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ምግባሮም ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንውሓት ዕድመ ደቂተባዕትዮ ምስናይ ደቀንስትዮ እንክወዳደር ዕቤት ምርኣዩን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጾታታት ዘሎ ናይ ዕድመ ፍልልይ እናጸበበ ክመጽእ ምጽንሑ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ። ካብ 2020 ንደሓር ጥራይ ናይ 4 ወርሒ ናይ ዕድመ ጋግ ክጸብብ ክኢሉ’ሎ ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ።