ቤት ፍርዲ ሚኖሶታ፡ ንኣባል ፖሊስ ሚንያፐሊስ ነበር፡ ደሪክ ቾቪን፡ ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ምግላጹ፡ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
እቲ ፖሊስ ኣብ ክሳድ ፍሎይድ፡ ንደቓይቕ ብምንብርካኽ ከም ዝቐተሎን ብኹሎም ዝተኸሰሎም ነጥብታት ገበነኛ ኮይኑ ከም እተረኽበን እቲ ቤት ፍርዲ ኣዊጁ’ሎ። ቾቪን ብሰለስተ ክሲታት ማለት ካልኣይ ደረጃ ቅትለት፡ ሳልሳይ ደረጃ ቅትለትን ካልኣይ ደረጃ ቅትለት ሰብን ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ድማ ተፈሊጡ። መጋባእያ ጒዳይ ፍሎይድ ንሰለስተ ሳምንታት፡ 6 ጸዓዱን 6 ድማ ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት እተዋጽኡ ኣባላት ጁሪ፡ ን 10 ሰዓታት ድሕሪ ዘካየድዎ ክትዕ ኣብዚ ብይን ከም ዝበጽሑ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ቾቪን፡ ዘቕረቦ ናይ ዋሕስ መሰል ከም እተነጽገን ካብ ቤት ፍርዲ ብካቴና ክወጽእ ከም ኣትራእየን ድማ ተገሊጹ። ቾቪን፡ ዓሰርተታት ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ሚንያፐሊስ እተኣከቡ ህዝቢ ብሓጎስ “ስሙ ጸውዕ! እወ ንሱ ጆርጅ ፍሎይድ!” ክብሉ ጨሪሖም ኣለዉ።
ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ፍትሒ ረኺቦም ማለት መላእ ኣመሪካ ፍትሒ ረኺባ ማለት እዩ ክብል ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ በንጃሚን ክራምፕ ንሮይተርስ ቃሉ ሂቡ’ሎ። እዚ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ነጥበ መቐይሮ ዝኾነ መስርሕ ሕጊ እዩ። ናብ መላእ ከተማታት ኣመሪካ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ክኸውን ድማ ተስፋና’ዩ ድማ ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ፡ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት እዩ ክብል ገሊጽዎ።