ትማል ሰሉስ፡ ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ኣብ ስቶክሆልም ናይ ምዝንጋዕ ፕሮግራም ብምድላው፡ ሓድሽ ናይ ከተማ ሸኻ ምትካሎም ተገሊጹ።
እዚ ፕሮጀክት፡ ቊጽሪ ንህቢን ካልኦት ኣብ ጽግያት ዕንባባታት ኣበርክቶ ዝገብሩን ሓሸራታት ንምውሳኽ ዕላማ ጌሩ እዩ ዝንቀሳቐስ
ዘሎ። “ምዕቃብ ብዝሒ ህይወት ዓለማዊ ሓላፍነት ስለዝኾነ፡ ብዘይመሻርኽቲ ከነዐውቶ ዘይሕሰብ እዩ ” ክብል ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ሽወደን፡ ክርስቲያን ቤንሆፍ ገሊጹ’ሎ።