ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን ምስ ስድራቤቶም፥ ትማል ለይቲ ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ወጺኦም። ናይ ረድኤት ሰራሕተኛታት
ዝርከብዎም 25 ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታትን ስድራቤቶምን፥ ትማሊ ለይቲ ብ ቃፍላይ መካይን ተዓጂቦም ካብ ከተማ ካርቱም
ብሰሜን ወገን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝበጽሑን፥ ብ ነፋሪት ፈረንሳ ካብታ ሃገር ተላዒሎም፡ ሎሚ ኣጋ
ወጋሕታ ናብ ከተማ ጅቡቲ ምብጽሖምን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እታ ነፋሪት ፈረንሳ፥ ፍርቂ ለይቲን ፈረቓን ተበጊሳ፥ ሰዓት 4
ወጋሕታ ናብ ጅቡቲ ምብጽሓ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
“እዚ ኣዝዩ ዘሐጒስን ዘቕስንን እዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን፥ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ
ገሊጹ’ሎ። ትማል ሰንበት ባይቶ ሽወደን ተወሳኺ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፥ ናብ ሱዳን ወተሃደራዊ ነፋሪት ምስ ወተሃደራት
ብምልኣኽ፥ ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ምውጻእ ኣብ ዝብል ድምጺ ሂቡ ኔሩ እዩ። እቶም ወተሃደራት፥ ኣብዚ ሽወደናውያን ናይ
ምውጻእ ተልእኾኦም፥ ኣድላዪ እንተኾይኑ ሓይሊ ክጥቀሙ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ምንባሩ ተፈሊጡ።
ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ እንተላይ ብሪጣንያ፡ ነዘርላንድስ፡ ፈረንሳ፥ ስፔይንን ጣልያንን ዜጋታተን ካብ ሱዳን ኣውጺአን ኣለዋ።
ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገርን ፍሉይ ሓይሊን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ፥ ክንክን ጥዕና እታ
ሃገር፥ ቀረብ ማይን ጸዓት ኤለትሪክን ኣብ ሕማቕ ኲነታት ኣብ ልዕሊ ምህላዉ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቊራጹ ኣብ ውሽጢ
ካርቱም እንታይ ይግበር ምህላዉ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ።