ሩስያ ን ደንማርክ ኣብቲ “ጸላእትና ሃገራትን መሬታትን” ዝብል ዝርዝር ከም ዘእተወታ ተገሊጹ። ሩስያ ነዚ ዝገበረት ደንማርክ 15 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ድሕሪ ምስጓጓ እዩ።
ዳዜጣ በርሊንስክ ን ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ደንማርክ ቭላድሚር ባርቢን ብጽሑፍ ኣብ ዘቕረበትሉ ሕቶታት ነዚ መግለጺ ምሃቡ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣቃሊሓ’ላ።
“እዚ ውሳነ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ውሽጢ መቓን ምስጓጒ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ ደንማርክ እዩ ክረአ ዘለዎ” ክብል ጽሒፉ’ሎ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 15 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ሰለይቲ ኢኹም ብዝብል ክሲ ካብ ደንማርክ ከም እተባረሩ ዝፍለጥ እዩ። ግሪኽ፡ ስሎቫክያ፡ ስሎቬንያን ክሮኤሽያን ኣብዚ ብሰንበት ዝወጸ ጸሊም መዝገብ ሩስያ ከም እተኻተታ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።
ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኖርወይ ዝብዚ ዝርዝር ኣስማት “ጸላኢ ሩስያ” ምእታዋ ዝፍለጥ እዩ።.