ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ፕላስቲክ ጠያይትን ናይ ሓሶት ቦምብን ብምትኳስ ነቶም ተመሃሮ ንምብታን ምፍታኖም ቢቢሲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቪንድዋተርስራንድ፡ ኣብ ምዝገባን ክፍሊትን ዘሎ ስርዓት ንምቕያር እዮም ነቲ ናዕቢ ኣልዒሎም ዘለዉ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብዚ ናዕቢ፡ ሓደ ሰብ እኳ እንተሞተ፡ ተመሃራይ ድዩ ወይስ ሓላፊ መንገዲ ዛጊት ኣይተረጋገጸን። ተማሃሮ ጆሃንስበርግ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዞም መንገዲ ብምዕጻውን ዕግርግር ብምፍጣርን ነቲ ሃገራዊ ትካል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተመሃሮ፡ ጌርዎ ዝበልዎ ኣድልዎ ይቃወሙ ምህላዎም ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ ትካል ክሳራ ስለዘጋጠሞ፡ ሓደስቲ ተመዝገብቲ ተመሃሮ፡ እዚ ዓመት ዝሕግዘሉ ባጀት ከም ዝሓጸሮ ተፈሊጡ።