ደቡብ ሱዳን ባይቶ ከም ዘቖመት ተገሊጹ። ምቛም ሓድሽ ሃገራዊ ባይቶ ቀንዲ ቅድመ-ኲነት ስምምዕ ሰላም 2018 ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ሓድሽ ባይቶ ደገፍቲ ክልቲኣቶም መጻልእቲ ማለት ሳልቫ ኪርን ሬል ማቻርን ክውከሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።
ካብ ጠቕላላ 650 ኣባላት: እቶም 588 ኣባላት ነዚ ምቛም ባይቶ ከም ዝጸንበልዎ ተፈሊጡ። እቶም ዝተረፉ ብተዛማዲ ዝወሓዱ ኣባላት ኣብ ምክፍፋል ስልጣን ብዘለዎም ቅሬታታት ድምጾም ክዕቀቡ ምውሳኖም ተፈሊጡ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምድንጓዩ ኣብ ኣባላት ሰልፊታት ምጥርጣራት እኳ እንተፈጠረ መወዳእትኡ እቲ ስምምዕ ተፈጺሙ’ሎ።
እዚ እናኾነ: እቲ ባይቶ: ካብቲ ዝነበሮ 450 መናብር ናብ 650 መናብር ክውስኽ እኳ እንተተገብረ: ዳግመ ምቛም እዚ ባይቶ ኣይተወድአን ተባሂሉ’ሎ። ፕረሲደንት ጀማ ኑኑ ኪምባ: ንተወከልቲ ህዝቢ: ትዕግስቲ ክገብሩ ሓቲቱ’ሎ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዘን ብርክት ዝበላ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ፖለቲካዊ ምልዕዓል ንኽህሉ ጥሙር ወፍሪ ክገብራ ጸኒሐን ኣለዋ።
“ደቡብ ሱዳን ንዓኹም እያ ትጽበ ዘላ” ክብል ጳጳስ ጃስቲን ባዲ ኣራማ ኣጠንቂቑ’ሎ።