ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሚአን ፈረንሳውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዋጋ መከላኸሊ ጥንሲ ክኸፍላ ብዘይምኽኣለን፡ ካብ ጥቕሙ ክሕረማ ስለዘይብለን፡ ብነጻ ክወሃበን ይግባእ፡ ክብል መንግስቲ ፈረንሳ፡ ከም ዘመልከተ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ቁጽሪ ናይተን መከላኸሊ ጥንሲ ዝጥቀማ፡ ናእሽቱ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ትሑት ምዃኑን ቀንዲ ጠንቁ ድማ፡ ቁጠባዊ ጸገማት ምዃኑ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት፡ ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ዳህሳስ ሓቢሩ፡ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፡ ኦሊቪየር ቬራን፡ ገሊጹ።
እዚ ብመንግስቲ ኢማኑኤል ማክሮን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዩ ንምሕያልን፡ ኣብ መንጎ ናእሽቱ መንእሰያት ዘሎ ድኽነት ንምውጋድን ምዃኑ መንግስታዊ ምንጭታት ሓቢሮም።