ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ንጎረባብታ ከምትፈርህ ሄም ኦክ ሂራ (Hem och Hyra) ዝበሃል ጋዜጣ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ጋዜጣ ሄም ኦክ ሂራ ምስ ኮለጅ ርእይቶታት Skop ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ 1000 ተኻረይቲ ዳህሳስ ኣካይዱ።
18% ካብተን ደቂ ኣንስትዮን 11% ካብቶም ደቂ ተባዕትዮን ፍርሂ ናይ ጎረባብቶም ከምዘለዎም እቲ ውጽኢት ናይቲ ዳህሳስ ሓቢሩ።
ፍርሂ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ግጭት እዩ ክትብል ከም ሞንገኛ ናይ ዘይሰማምዑ ጎረባብቲ ኮይና እትሰርሕ፡ ሓኪም ምዝርራብ፡ ኤሊኖር ሊንድ ገሊጻ።
ሰባት ምስ ጎረባብቶም ንኽዘራረቡ ክንሕግዞም እንተኺኢልና፡ ናይ ፍርሂ ስምዒቶም ክጎድል ከምዝኽእል ርግጸኛ እየ ክትብል፡ ኤሊኖር፡ ንሄም ኦክ ሂራ ሓቢራ።