ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ፡ 200 ሓደስቲ ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ወለንተኛታት ዝዕድልዎ መግቢ፡ ናይ ጽሬት ናውቲን ክዳውንቲን ንምርካብ፡ ናብቲ ኣብ ኣፕሳላ እትርከብ ማእከል ስደተኛታት ዩክሬይን ከም ዝመጹ ተገሊጹ። ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዘን፡ ምምሕዳራት ከተማ ን ዩክሬናውያን ስድተኛታትን ሓላፍነት ቀረብ መጽለሊ ድሕሪ ምውሳደን፡ ጠለብ ኣገልግሎተን ምውሳኹ ፒ ፎር ኣፕላንድ ኣመልኪቱ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ እዞም ስደተኛታት ብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ኣብ ዝተዳለወ መንበሪ ይቕመጡን መግቢ ካብኡ ይረኽቡ ምንባሮምን፡ ሕጂ ግና እዚ ተቛሪጹ ምህላዉ፡ እታ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።