ሎሚ ረቡዕ፡ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ኣልናርፕ፡ ሉማ፡ ዝርከብ ኣካል ናይ ዩኒቨርስቲ ሕርሻ ዝኾነ ህንጻ ብኸቢድ ባርዕ ከምዝተጠቕዐ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ሰዓት 5፡30 ናይ ንግሆ ድማ ሓደ፡ ኮነ ኢሉ ነቲ ባርዕ ከምዘናኸሰ፡ ዝጥርጠር ወዲ 27 ዓመት ሰብኣይ፡ ብፖሊስ ተሃዲኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ SVT ሓቢሩ።
እቲ ክቃጸል ዝጸንሐ ህንጻ፡ ብዕንጨይቲ ዝተሃንጸ እዩ ነይሩ። እቲ ባርዕ፡ ናብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ መምሃሪ መሳርሒታት ዘለዎም ህንጻታት ንኸይላባዕ ተቐላጢፍና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንኸነእትዎ ንጽዕር ኣለና፡ ምሉእ መዓልቲ ድማ ኣብዚ ክንህሉ ኢና ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ማትያስ ስኮልድ፡ ሓቢሩ።
ኣብ ምምሕዳር ሉንድ፡ ዓመተ 2020 ካብ ዝጅምር፡ 50 ናይ ባርዕ ሓደጋታት ከምዘጋጠመ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣሻቓሊ ተርእዮ ኮይኑ ዘሎ፡ እተን 13 ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርታት ዘጋጠሙ ሓደጋታት ብምዃኖም እዩ። መብዛሕትኦም ሓደጋታት ድማ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸሙ ምዃኖም እዩ ዝሕበር።