ብምኽንያት ናይ ቅልውላው እዋን ኩንትራት ዝበዝሐ ሰዓት ዝሰርሑ ዝበዝሐ ክፍሊት ክወሃቦም እዩ። ዛጊት ንዝሓለፋ ክልተ ቕነ ኣብ ስቶክሆልም ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ክህቡ ዝጸንሑ ኣሃዱ ሓካይም ኣብ ናይ ቅልውላው እዋን ኩንትራት ምጽማዶምን እዚ ድማ ብትእዛዝ መንግስቲ ይፍጸም ምህላዉን ተገሊጹ። በዚ መሰረት ድማ 800 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዝነውሐ ሰዓታት ይሰርሑ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ማለት ኣብ ገሊኡ እዋናት ክሳብ 60 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ከም ዝበጽሕን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብለበዳ ኮሮና ዝመጸ ውጥረት ንምፍዃስ ምዃኑ ተመልኪቱ።