ብመሰረት ግዜያዊ መምርሒ ሓለዋ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ እዮም ተዋሂቦም ዘለዉ። እንተኾነ ግና ናይ ዩክሬይን ዜግነት ዘይብሎም ወይ ኣብ እዋን ስደት ናይ ስደተኛ ፍቓድ መንበሪ ዘይጸንሖም በዚ መምርሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣይተረቚሑን ኣለዉ። "ኣብታ ዜጋ ዝኾኑላ ሃገር ናይ ሓለዋ ጒዳይ የድልዮም ድዩ ዝብል ጒዳይ ክንርኢ ከድልየና እዩ," ክትብል ኣብ አጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ኣፈኛ ፕረስ ኣኒካ ዳልቪስት ገሊጻ’ላ።