ብሰንበት ንቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ ሙስጣፋ ኣልኻዲሚ። ንምቕንጻል ኣብ ቤቱ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ዘካየዱ መን ምዃኖም ከም እተለለዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ። በቲ መጥቃዕቲ ህንጻ መንበሪኡ ክፈርስ እንከሎ ሽዱሽተ ኣባላት ሓለዋኡ ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ።
ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ክንሃድኖም ኢና፥ ምኽንያቱ መን ምዃኖም ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና ክብል መንነት እቶም ፈጸምቲ ዝበሎም ከይጠቐሰ ንካቢነኡ ምግላጹ ተሓቢሩ። ናይዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፡ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻ ሺዓ፡ ኣብ ጠርጠራ ኣትዮም ምህላዎም ካብቲ ዞባ ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ መጥቃዕቲ፡ ስርሓት ኢራን ብዝኾና ድሮናት ከም እተኻየደ ካብ ጸጥታዊ ምንጪታት እተረኽበ ሓበሬታታት ኣቃሊዖም ኣለዉ።