ኢትዮጵያ፥ ሱዳንን ግብጽን ንሽግር ፈለግ ኒል፡ ኣብ ውሽጢ “ርትዓዊ ናይ ግዜ መጠን” ንምፍታሕ ልዝበን ክቕጽላ ኣተሓሳሲቡ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዘን ሃገራት፡ ብኣቦ መንበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንዝቐረበ ናይ ዘተ ዕድመ ብምቕባል ኣብ ጒዳይ ኒል ዝጀምረኦ ዘተ ክቕጽላ ኣትሓሳሲቡ’ሎ። እዘን ሃገራት “ኣብ ምምላእን ስራሕን እቲ ሓጽቢ ብዂለን ተቐባልነት ዘለዎን ቀያዲን ስምምዕ ንኽብጻሕ” እየን እዚ ዘተ ከካይዳ ዝግብአን ኢሉ’ሎ እቲ መግለጺ።
15 ኣባላት ዘለዎ ባይቶ ጸጥታ፡ ብሰለስቲአን ሃገራት ተቐባልነት፡ ዘለወን ተዓዘብቲ ነቲ ምስርሕ ክድግፋ ዓዲሙ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣብ ጸሊም ኒል ዝህንጽ ዘሎ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ እታ ሃገርን ግብጽን ሱዳንን በቲ ሓደ ወገን ወጥሪ ምኽታሉ ይፍለጥ።
ግብጺ ምህናጽ እዚ ሓጽቢ፡ ንብጽሒት ማየይ ከጒድለለይ እዩ ዝብል ስግኣታት ከም ዘለዋን ነቲ ማይ ከም ኣካል ሃገራዊ ድሕነት ከም እትርእዮን ጸብጻባት የመልክቱ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ነቲ ማይ፡ ንጸዓታዊ ልምዓት ከትውዕሎ ኸም እትደሊን ኣብ ታሕተዋይ ኒል ጉድኣት ከም ዘየስዕብን ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ።