ከምኒ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን ዝኣመሰሉ ኣህጒራውያን ግብረሽበራውያን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ብፍላይ ኣትሒዞም ንሽወደን ቀዳምነት
ዕላማኦም ይገብርዋ ምህላዎም ሓበሬታ ከም ዝረኸበ፡ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን–SÄPO–ገሊጹ። በዞም ውድባት ግብረሽበራ
ዝቐርብ ዘሎ ምኽንያት መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ኣፍደገ ኤምባኢ ቱርክ ዝተኻየደ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን እዩ።
ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ነዚ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ምክያዱ ዝዝከር እዩ።
"ንሽወደንን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ረብሓታት ሽወደንን ከነጥቅዕ ኢና ዝብል ምፍርራህ በዞም ግብረሽበራውያን ብብዝሒ ይስማዕ
ኣሎ" ክትብል ምክትል ሓላፊት ጸረ ግብረ ግብረሸብራዊ ግብረመልሲ ሱዛን ትሮሪንግ ገሊጻ’ላ።