ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፊንላንድ ማሪ ራንታነን፡ ፖሊስ ብዛዕባ ውዲት ግብረሽበራ ሕሉፋት የማናውያን ባእታታት ዝሃቦ ዝርዝር
ሓበሬታ ዘሰክፍ ምዃኑ ብምጥቃስ፥ ኣዝዩ ብዕቱብ ክውሰድ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲባ። ንሳ ብዓርቢ ን “ሄልሲንጊን ሳኖማት” ኣብ
ስጳኛ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “እቲ ፖሊስ ዘመሓላለፍዎ ሓበሬታ ዘተሓሳስብ እዩ። ብዓመጽ ንሕብረተሰብ ከሸብሩ ዝደልዩ ሰባት ኣብዛ
ሃገር ምህላዎም ዘቖጥዕ” ክትብል ገሊጻ።
ክፍሊ ፖሊስ “ሃሜን” ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት መርመራን፥ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ እቶም ግብረ ሽበራዊ
መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝወጠኑ ባእታታት ዝምልከት መርመራኦም ኣብ ምጥቕላል ከም ዘለዉ ዝሓለፈ ሓሙስ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ መርመራ ምስ ካልኦት ክፍልታት ፖሊስን ኣገልግሎት ስለያ ጸጥታ ፊንላንድን (ሱፖ)ን ብቐረባ ብምትሕብባር ዝተኻየደ እዩ።
እቶም ገበናት ኣብ ላህቲን ከባቢኣን ኣብ 2022–2023 ከም ዝተፈጸሙ እዩ ዝግለጽ። ካብቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ
ኣርባዕተ ፊንላንዳውያን ፥ እቶም ሰለስተ ካብ 20–30 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም፥ ሓደ ድማ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሜኦም
እዮም። እዞም ሰባት ሕሉፍ የማናዊ ጉጅለ ብምቛም፡ ከምኡ’ውን ብ3D ኣሕታሚ ኦቶማቲክ ብረታት ብምግጥጣም ኣብ ልዕሊ
መሰረተ ልምዓትን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ፊንላንድ መጥቃዕቲ ንምፍናው መደብ ከም ዝነበሮም ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ክፍሊ ፖሊስ “ሃመ” ዋና ተቖጻጻሪ መርማሪ ቱኦማስ ኩረ፡ “ድራኸን ምፍራይ ኣጽዋርን እዞም ጒጅለታት ኣብ ጥሩፍ ስነ-
ሓሳብ ዝተሰረተ እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ኣገባባት ብምጥቃም፥ ውድቀት ሕብረተሰብ ዘስዕቡ ምዕባለታት ንምምችቻእን
ምድጋፍን ዝዓለመ’ዩ” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ።