ወቕቲ ስፕሪንግ (ጽድያ) ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ሽወደን ምእታዉ ተገሊጹ። ርግጽ’ዩ፥ ጽድያ እንታይ ይመስል ዘለኻዮ ክፋል
ሽወደን ይውስኖ እዩ። ኣብ ኖርበተን፡ ብለኪን፡ ሃርየዳለንን ሃላንድን ዘለዉ፥ ብርግጽ ኣብ ወቕቲ ጽድያ ምህላዎም ጭቡጥ ምልክታት
ከም ዘሎ እዮም ዝዛረቡ። ክኢላታት ስነ-ክሊማ ሽወደን ብወገኖም፥ ናይ ባዕሎም መግለጺ ወቕቲ ጽድያ ኣለዎም። ኣብ
እትነብረሉ ዞባ ንሾብዓተ ተኸታተልቲ መዓልታት ልዕሊ ባዶ ዲግሪ ሼልሰስ ሙቐት እንድሕር ተራእዩ–ብርግጽ ኣብ ወቕቲ ጽድያ
ኣቲኻ ኣሎኻ ማለት እዩ–ይብሉ።
ብመሰረት እዚ መግለጺ ክኢላታት ሜትሮሎጂ፥ ዝበዝሐ ክፋል ሽወደን ድሮ ኣብ ወቕቲ ጽድያ ኣትዩ’ሎ። ካብ ስከለፍታ ንሸነኽ
ሰሜን ኣብ ዘለዉ ግና “ጽድያ ዝመስል ኲነታት” ይቀላቐሎም ምህላዉ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።