Källa BBC TIGRINJA
ሩስያ ምስ ኲናት ዩክሬን ብዝተሓሓዝ ኣብ ጎኒ ሃገራት ምዕራብ ንዝተሰለፋ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ትልእኾ ዝነበረት ነዳዲ ኣቋሪጻ።
ትካል ኢነርጂ ሩስያ ጋዝፕሮም ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዝልኣኸለን ዝነበረ ጋዝ ክፍሊት ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ሩስያ ክኸፍላ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኮና እቲ ቐረብ ነዳዲ ተቛሪጹ ኢሉ።
ቅድም ኢሉ ኣከፋፈልቲ ጋዝ ክልቲአን ሃገራት ሩስያ ነዳዲ ምልኣክ ክተቋርጽ ከም እትኽእል ገሊጾም ነይሮም።
ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን “መሓዙት” ዘይኮና ሃገራት ንዝቕበልኦ ነዳዲ ሩስያ ብሩብል ክኸፍላ ኣለወን ኢሉ እዩ።
እንተኾነ፡ ፖላንድን ቡልጋርያን ሓዊሱ ሃገራት ኤውሮጳ እዚ ሓሳብ ነጺገንኦ።
ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈጸመቶ ወራር ብዝስዓበ እገዳታት ዝተዳኸመ ኣቕሚ መተዓዳደጊ ገንዘባ ንክትውስኽ’ዩ ብሩብል ክኽፈላ ትሓትት ዘላ።
ቡልጋሪያ ግን፡ ጋዝ መሳርሒ ፖለቲካ ይኸውን ኣሎ ብምባል ንውሳነ ሩስያ ተቓዊማቶ።