ብዙሓት ሰራሕተኛታት ን ምፍርራህን ጎነን ይቃልዑ ምህላዎም፡ እንተኾነ ግና ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ነዚ ንምውጋድ እኹል ስራሕ ከም ዘይዓመማ “በዓልመዚ ኲነታት ስራሕ” ገሊጹ። 77% ኣስራሕቲ ነዚ ጒዳይ ክግምግምዎ ዘተሓሳስብ ጻውዒት ከም እተገብረሎም፡ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ምምሕያሽ ኲነታት ስራሕ ክንድቲ ዝግባእ ቀዳምነት ኣይተዋህቦን ክትብል መርማሪት ኤቫ ካርስተን ኣተሓሳሲባ’ላ።