ብውሑዱ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ፍቓድ ስራሕ ንግዜያዉ መንበሪ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ክቕይሮ ይኽእል እዩ ክብል ክፍሊ ኢሚግሬሽን መብርሂ ሂቡ። በዓልመኢ ኢሚግሬሽን ግዜያዊ መንበሪ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ብዛዕባ ክቕየረሉ ዝኽእል ኣገባብ መብርሂ ሂቡ። ናይ ስራሕ ፍቓድካ እተሐድሰሉ ግዜ ነብስኻ እትኣልየሉን እዞም ዝስዕቡ ረቓሒታትን ዘማልእ ስራሕ ምስ እትረክብ ግዜያዊ ፍቓድካ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ ይብል እቲ መብርሂ።
እቶም ዝተጠቕሱ ረቛሒታት እዞም ዝስዕቡ እዮም። እቲ ስደተኛ ቅድሚ ምውዳቕ ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪኡ ስራሕ ዝጀመረ ምስ ዝኸውን። ኲነታት ስራሕ ስደተኛ ምስ ሓፈሻዊ ስምምዓትን ውዕላትን ማሕበር ሽቕለት ብዝሳነ ኣገባብ ክማላእ ኣለዎ። ናይ መናውሒ ሕቶ ፍቓድ ዝተዋህቦ ኮይኑ ሓታቲ ብውሕዱ ንኽልተ ዓመት ዝዘልቕ ናይ ስራሕ ውዕል ምፍጻሙ ከርኢ ይግባእ። ዕድሚኦም ካብ 25 ንታሕቲ ዝኾኑ ኣመልከትቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ሽወደን ዝወሰዱ ክኾኑ ወይ መዘናኡ ናይ ወጻኢ ደረጃ ትምህርቲ ክህልዎም። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ተወከስ።