ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ፡ ናብ ጐረቤቶም ክልል ትግራይ፡ መጥቃዕቲ ከካይዱ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ ክብል ቢቢሲ ገሊጹ።
ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ንዝበዝሐ ክፋል ትግራይ ምቊጽጻሩን ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶም ሓይልታትን ካብ ርእሰ ከተማን ካልኦት ኣገደስቲ ቦታታት ትግራይን ምውጽኦም ዝዝከር እዩ።
ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትዕግስትና ወዲእና ኣለና፡ ሕጂ ናብ ምጥቃዕ ክንሰጋገር ኢና ምባሉ ተጠቒሱ። ጡረታ ዝወጹ ኣባላት ሰራዊትን ሚሊሻን ክኸቱ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ፡ ዝመሓደር ዝነበረ ቦታታት እናተቘጻጸሩ ከም ዝርከቡ ቢቢሲ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣዝየ ዝተረጋግአትን ቀንዲ መሓዛ ምዕራባውያን ምንባራ ዘመልክተ እቲ ጸብጻብ፡ ሕጂ ግን እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ምውዳቓ፡ እቲ ዞባ’ውን ሓደጋ ዘይምርግጋእ ይዝንብዮ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።