ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን: ኬንያ ዘለዋ ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ከም እትውድእ፡ ሓይሊ ዕማም ክታበት እታ ሃገር፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኬንያ፡ ካብ 3.5 ሚልዮን ናይ ኣስትራዜነካ ክታበት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ፡ ረኺባ ምጽንሓ ዶ/ር ዊሊስ ኣኽዋሌ ይገልጽ። ዛጊት፡ ልዕሊ 940 ሽሕ ኬንያውያን ከቲብና ኣሎና፡ ስለዚ ድማ፡ ዘሎና ቀረብ ጓሕጒሕናዮ ኢና” ኢሉ። እዚ ማለት ትሕቲ 2% ኬንያውያን ቀዳማይ ብልቃጥ ክትባቶም ረኺቦም ኣለዉ ማለት እዩ። እቲ ካልኣይ ብልቃጥ ካብ ቀድማይ ሰሙን ወርሒ ሰነ ጀሚሮም ከዳልዉዎ መደብ እኳ እንተነበሮም እዚ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ ደጊም ርጉጽ ክኸውን ከም ዘይክእል ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።
ዶ/ር ኣኽዋሌ፡ ምዕሩይ ዝርግሐ ክታበት ክህሉ ኣለዎ “ኣነ ውሕስነት ጥዕና ዝህልወኒ ንስኻ ጥዕናኻ ውሑስ ምስ ዝኸውን እዩ!” ዝብል ጭርሖ መትከልና ክንገብሮ ይግባእ ድማ ኢሉ።
ከምቲ ኣብ ህንዲ እተራእየ ዘይእኹል ቀረብ ክታበት፡ ነቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ዓይነት ጅር ንኽምዕብል፡ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ክኢላታት ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።