ወለድ ልቓሕ ተመሃሮ፡ ካብ ዝቕጽል ዓመት ኣትሒዙ ካብ 0% ናብ 0.64% ክውስኽ እዩ፡ ክብል ቦርድ ፋይናንስ ተመሃሮ ሽወደን (CSN) ትንበያኡ ኣቐሚጡ’ሎ።
ብመሰረት እዚ ዝህሉ ወሰኽ፡ ብማእከላይ ገምጋም 166,000 ክሮና ዕዳ ዘለዎ ተመሃራይ ነበር፡ ወርሓዊ ናይ 88 ክሮና ተወሳኺ ክፍሊት ክፍጽም እዩ። እዚ ናይ 0.64 ወሰኽ ወለድ ብመንጽር ታሪኽ እንክረአ፡ ኣዝዩ ትሑት እዩ ክብል ኣብ CSN ሓላፊ ስነቚጠባ ያን ሶደርሆልም ገሊጹ’ሎ።