ካብ ቻይና ናብ ሽወደን ክኣትዉ ዝደልዩ፡ ካብ 7 ጥሪ ኣትሒዞም ካብ ሕማም “ኮቪድ-19” ናጻ ምዃኖም ዘርኢ ወረቐት
ምስክር ክሕዙ ክሕተቱ ምዃኖም፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን ያቆብ ፎርስመድ ገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን
ነዚ ሕጊ ዝትግብረሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ሽወደን ብሓድሽ ጅር እዚ ቫይረስ ከይትጥቃዕ ብምባል ምዃኑ ፎርስመድ ወሲኹ
ኣመልኪቱ።
ቻይና ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዛ ኣብ “ኮቪድ-19” ዝጸንሓ ሕጊታት ክዘልቕ እኳ እንተገበረት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ለበዳ
ኣዝዩ ልዑል ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ሕጊታት ሽወደን፡ ን ተቐማጦን ዜጋታትን ሽወደን፡ ዜጋታት “ዩሮፕያን ኤኮኖሚክ ኤርያ” ከምኡ’ውን ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት
ኣይምልከትን እዩ ተባሂሉ’ሎ።