ሓለፍቲ ጸጥታን ምምሕዳር ከተማን ደሴት ግሪኽ ዝኾነት ሌዝቦስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ካብ ቱርክ ብዛዕባ ዝውሕዙ ሰራሕተኛታት ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ብመሰረት እዚ ክሲ ቊጽሪ ስደተኛታት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዓብዩ 12 ሽሕ በጺሑ እዩ ዝበሃል ዘሎ። ሰብመዚ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓደስቲ ስደተኛታት ኣይተቐበልናን ክብሉ ነዚ ኣሉታ ሂቦምሉ ኔሮም።
እዚ ኣሃዝ ኣብዛ ደሴት ቅልውላው፡ስደተኛታት ዝፈጠረ ኮይኑ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ፈጢርዎ ዝነበረ ድባብ ዝመስል ኲነታት ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ከም ግብረመልሲ መንግስቲ ጽንክር ዝበለ ሓለዋ ባሕሪን ሓገዝ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብን ሓቲቱ’ሎ።