26% ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ስቶክሆልም ክሳብ ባሕቲ ግንቦት ብለበዳ ኮሮና ክልከፍ ከም ዝኽእል ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ለበዳ ኮሮና ብዙሓት ሰባት ይለክፍ ምህላዉን ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም 2.6 ሚልዮን ከም ምልካፎምን 183 ሽሕ ምሟቶምን ይፍለጥ። ሽወደን እውን ካብዚ ለበዳ ከም ዘየምለጠትን ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 751 ሓደስቲ ግዳያት ከም እተረኽቡን ናይ ትማሊ 84 ሓዊስካ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ምሟቶምን ድማ ተፈሊጡ።
ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ሓደስቲ ሕሙማት ብናህሪ እናወሰኸ ምምጽኡን እዚ ምጒዳል የርኢ ዘይምህላዉን ኣብ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ምክትል ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ዋልውስተን ገሊጹ። በዚ ሕጂ ዘርኢ ዘሎ ስታትስቲክስ ልዕሊ ርብዒ ተቐማጦ ከተማ ስቶኮልም በዚ ቫይረስ ከምዝልከፉ ኪኢላታት እዚ ዓውዲ ግምታቶም ይህቡ ኣለው። ቀንዳኢ ናይዚ መልከፍቲ ድማ ንምሕርታት ሰብ ሞያ ጥዕና ብምጥሓስ ሰባት ሸለል ይብሉ ብምህላዎም እዩ።