ካብ ተሽከርከርቲ ሽወደን ናብ ጎደናታት ዝፍኖ መጠን ካርቦን፡ ኣብ ዓመተ 2022 ምንካዩ ተገሊጹ። ምስ 2021 እንክወዳደር ኸኣ
ብ 5% ምንካይ ከም ዘርኣየ፡ ካብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብ ጎደናታት ሽወደን ዝረአ
ቊጽሪ ተሽከርከርቲ እኳ እንተወሰኸ፡ እዚ ኲነታት ብጭቡጥ ይረአ ምህላዉ እቲ ኣሃዝ ወሲኹ ገሊጹ። ነዚ ምኽንያት ዝኾኑ
ብዙሓት ረቛሒታት እኳ እንተለዉ፡ ኣፍረይቲ ነዳዲ ካብ “ዘይተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት” ቀስ ብቐስ ክርሕቁ ዝገበረ ሕጊ እቲ ቀንዲ
ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።
"እዚ ጽቡቕ ዜና እዩ፡ እንተኾነ ግና ዝያዳ ምስራሕ ከድልየና እዩ" ክብል ኣብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሓላፊ ኣከባቢ ስቨን ሃንሃመር
ገሊጹ። ክሳብ ሕጂ መጠን ፈነወ ካርቦን ብ 31% ምጒዳል ከም እተኻእለ፡ ካብ 2010 ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ኸኣ ነዚ
ናብ 70% ክብ ንምባል ተሓሲቡ ምህላዉ ሃንሃመር ሓቢሩ’ሎ።