ካብ ቀዳም ጀሚሩ፡ ዴኒማርክ፡ ንነበርቲ ምምሕዳር ስኮና ዝኾኑ ናብ መሬታ ክኣትዉ ከተፍቅደሎም ምዃና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ምምሕዳር ስኮና፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ርኡይ ዝኾነ ምጉዳል ቁጽሪ ናይ ግዳያት ኮሮና ከምዘርኣየትን ኣብ ዝቕጽል መዓልታት እቲ ቁጽሪ እንተ ዘይወሲኹ፡ ነቲ ዴኒማርክ ትሓቶ ብዝሒ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ክተማልኦ እያ።
ዴኒማርክ፡ ዶባታ ንነበርቲ ስኮና ክፉት ምዃኑ እትሕብረሉ እዋን፡ ዝመጽእ ሓሙስ ክኸውን ከምዝኽእል ሬድዮ ሽወደን ግምታቱ ይገልጽ።
ዴኒማርክ፡ ንኣብ ውሱን ክፋላት ሽወደን ዝነብሩ ጥራይ ዶባታ ካብ ዕለት 27/06/2020 ክፉት ምዃኑ ሓቢራ’ኳ እንተ ነበረት፡ ቀጺላ ግን ንኹነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ምኽንያት ብምግባር፡ ካብ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ዘርኢ ውጽኢት ሒዞም ክቐርቡ ከምዝግባእ መምርሒ ኣመሓላሊፋ ነይራ።
ናብ ዴኒማርክ ዝኣቱ በጻሒ፡ ኣብ ሃገሩ መጠን መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ 100 ሽሕ ሰብ 20 ሰባት ጥራይ ብቫይርስ ዝተለኽፉ ክህልውዋ ከምዝግባእ ሓቢራ ነይራ።
ሓደ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ናብ ዴኒማርክ ክኣቱ እንተድኣ ኮይኑ፡ ብመሰረት ዴኒማርክ ዘቐመጠቶ መምዘኒ (መዐቀኒ)፡ ሃገሩ፡ ካብ 100 ሽሕ ሰብ 20 ሰባት ጥራይ ብቫይርስ ዝተለኽፉ ክህልውዋ ከምዝግባእ ሓቢራ ከምዝነበረት ይዝከር።