ዝወድቀሉ ዕለት
ስጋን ፡ስጋ ዓሳን እቶም ቐልጢፎም ዝበላሸዉ ዓይነት መግቢ እዮም።ኣብዞም ዓይነታት ፍርያት ዝበላሸውሉ ዕለት ማለት ክሳብ እዚ ዕለት ተጠቐም ዝበል ሓበሬታ ንረክብ።እዞም ዝጠቐስናዮም ዓይነታት መግቢ ድሕሪ ዝወድቁሉ ዕለት ክንበልዖም የብልናን።ብኻልእ መንገዲ ድሕሪ ዝወድቕሉ ግዜ እንተድኣ በሊዕናዮም ክንሓምም ንኽእል ማለትዩ።ገለ ፍርያት መግቢ ቡዙሕ ቐልጢፎም ዘይበላሸዉ እንተድኣ ኾይኖም ኣብ ገበር ሓበረታ ማለት ኢቲከት ‘ብዝበለጸ ቅድሚ እዚ ዕለት ተጠቀም’ ዝብል ሓበሬታ ንረክብ።ክሳብ እዚ ዕለትዚ እዞም ፍርያት መግቢ ኣብ ጽቡቕ ኩነት ይርከቡ።ድሕሪዚ ዕለት እንተኾነወን በዘይ ገለ ጸገም ወይ ሓደጋ ክንበልዖም ንኽእል።እንተኾነ ግን ጣዕሚ፡ ሽታ፡ወይ ድማ ሕብሪ ክቕይሩ ይኽእሉ።ፍርያት መግቢ ኣብ ፍርጅ ዝተዓቀቡ ከምኡውን ”ዝበለጸ ቅድሚ እዚ ዕለት ተጠቀም” ዝብል ዘለዎ እንተድኣ ኾይኑ እቲ ዝበለጸ በዚ ዕለትዚ ከነጽንሖም ጽቡቅ እዩ።
ከምኡውን ገለ ፍርያት መግቢ ዝኾነ ዝወድቕሉ ዕለት ወይ ገደብ ዘይብሎም ኣለዉ ።እዞም ዓይነታት መግቢ ቀልጢፎም ዘይበላሸዉን ከምኡውን ከምዝተበላሸዉ ብምጥዓም ወይ ብዓይንና ብምርኣይ ክንፈልጦም ንኽእል።ንኣብነት ሰበባ(ዝዓሰዉ) ርኢና ክንጉሕፎም ንኽእል።