ኤሪክሰን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጉዳይ ብልሽውና ንዝተጻዕኖ ዕዳ ንምክሕሓስ 12 ቢልዮን ክሮና ምድላዉ ተገሊጹ። እዚ ግዙፍ መቕረቢ ኣቕሑ ዓውለማዊ መራኸቢታት ኣብ ዓመተ 2013 ብ ኮሚሽን ጸጥታን ምልውዋጥን ከምኡ’ውን ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ እዚ ኲባንያ ምስ ሕጊ ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ብምስምማዕ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ ብዝብል መርመራ ምኽፋቶም ዝፍለጥ እዩ።
ኤሪክሰን ኣብዚ ጒዳይ ምስ ሰብመዚ ኣመሪካ ምስምማዑን ውሽጣዊ መርመራ ንካይዱን ኣብቲ መስርሕ ድማ 50 ካብ ሰራሕተኛታቱ ምብራሩ ዝዝከር እዩ። እዞም ኣብ ኤስያን ኣፍሪቃን ዝዓዩ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምስ ብልሽውና ምትሕሓዝ ኣለዎም ብዝብል እዮም ተባሪሮም። እዚ መርመራ ክሳብ ርብዒ ዓመት 2017 ብምሽፋን ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ዝነበረ ንጥፈታት ምርኣዩ ይፍለጥ። እተን ሃገራት ቻይና፥ ስዑዲ ዓረብ፥ ኩዌይት፥ ኢንዶኔዥያ፥ ጁቡቲን ቬትናምን እየን። እዚ መርመራ ዛጊት ኣይተዛዘመን።
“ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስንፍና ኣርኢና ኢና” ይብል ዋና ኣካያዲ ናይቲ ኲባንያ ቦርጀ ኤኮልም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ። ኤሪክሰን ብ 500 ሚልዮን ናይ ኢንተሊጀንት ፋብሪካ ኣብ ቻይና ምምራቓን እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ እቲ ኣዝዩ ዝተራቐቐን መሳለጥያ ምዃኑ ይንገረሉ። ኣብዚ ኲባንያ ሓሙሻይን ሻዱሻይን ወለዶ ሬድዮታት ይፈርያ።