መንገዲ ኣየር SAS ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ በረርኡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ሚላኖ፡ ሮማ፡ ፋሮን ስፕሊትን ብምብራር ክጅምሮ ምዃኑ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ።
መጠን በረራታት ኩባንያ SAS ምስ ናይ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝፈጸሞ ክነጻጸር እንከሎ ጌና ኣብ 30% ካብ ብዝሒ በረርኡ ሸፊኑ ከምዝርከብ ሓላፊት ጋዜጣ’ቲ ኩባንያ ዝኾነት ቫርያ ኣናማትዝ ሓቢራ።
ብዝሒ ናይተን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንበረራ ዘገልግላ ዘለዋ ነፈርቲ ናይቲ ኩባንያ ካብ 30 ናብ 40 ክብ ኢሉ’ኳ እንተሃለወ ነቲ ንቡር ቁጽሪ ነፈርቲ፡ 169፡ ንኽበጽሖ ብዙሕ ከምዝተርፎ እቲ ኩባንያ ገሊጹ።
እቲ ኩባንያ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣህጉራዊ በረርኡ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ኩባንያ ብትሑት መጠን ካብ ኦስሎ ናብ ኣይስላንድ፡ ካብ ስቶክሆሎም ናብ ሚላንን ሮማን ( ዓዲ ጣልያን)፡ ናብ ስፕሊት (ክሮኤሽያ)ን ፖርቱጋላዊት ፋሮን በረርኡ የካይድ ኣሎ። ንኣብነት ናብ ከተማ ፋሮ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ጥራይ በረራ የካይድ።
ብኻልእ ሸንኽ፡ ናብተን ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት (እስፓኛ፡ ፈረንሳን ግሪክን) ናይ መገሻ ጠለባት ብምብዝሑ እቲ ኩባንያ ገለ ካብ መስመራቱ ከንጥፍ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዙሓት ሽወደናውያን ናይ ክረምቲ ገዛውትን ክርእይዎም ዝደልዩ ቤተሰብን ኣለውዎም ክትብል ኣናማትዝ ሓቢራ።
ጠለብ መገሻታት ካብ ሽወደን ናብ ሃገራት ስካንዴናቭያ ትሑት እዩ ዘሎ። ምኽንያት ናይቲ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ድማ ሽወደን ሓንቲ ካብተን ለበዳ ቫይረስ ዘለወን ሃገራት ስለ እትቑጸር።