ምምሕዳር ከተማ ሶልና፡ ንክልተ ማእከላይን ላዕለዋይን ቤት ትምህርታት ንምዕጻው ዘቕረቦ ጠለብ፡ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ጉዳይ ርእዩ፡ ንኽዕጸዋ ውሳኔ ድሕሪ ምምሕልላፉ ተኸቲሉ፡ ከተማ ሶልና፡ ኣንጻር እቲ ንናይ ህጻነት መሰል ኣብ ግምት ዘየእተወን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ስምምዕ መሰል ህጻናት ዝጠሓሰ ውሳኔ ይግባይ ክብል ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
ካብ 01 ጥሪ 2020 ጀምራ፡ ሽወደን፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ስምምዕ መሰል ህጻናት ከም ኣካል ናይ ውሽጣዊ ሕጊ ገይራ ክትጥቀመሉ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንህጻናት ብቐጥታ ዝጸልዎም ውሳኔታት ቅድሚ ምምሕልላፎም፡ ድምጺ ህጻናት ክስማዕ ዕድል ክወሃቦም ከምዝግባእን፡ ምምሕዳራት ከተማን ትካላት መንግስትን ድማ፡ ንህጻናት ዝያዳ ዘርበሖም ውሳኔታት ክወስዳ ከምዘለወን ዘዘኻኽር እዩ።