ሃገረ ኦስትርያ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚራ፡ ነቶም ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካልኣይ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ዜጋታታ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
እዚ ካብ ዕለት 17 ጥቅምቲ ክጅምር ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ክታበት፡ ዜጋታት ኦስትርያ፡ ጸረ ኮቪድ-19፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ክብ ንምባል ዝወሃብ ምዃኑ ሚኒስተር ጥዕና’ታ ሃገር፡ ዎልፍጋንግ ሙኽስቲን ንመራኸቢ ብዙሃን ORF ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ሃገረ ኦስትርያ ዝወሰደቶ ውሳኔ፡ ድሕሪ’ቲ ብኤውሮፓዊ ሕብረት ዝቐረበ፡ ንሳልሳይ እብረ ክታበት ብዝምልከት፡ ምርጫ ናይተን ኣባላት ሃገራት እዩ ክብል ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብወገኑ፡ ሃብታማት ሃገራት፡ ንሳልሳይ እብረ ክታበት ኣጽኒሐን፡ ኣብ ክንድኡ ነተን ድኻታት ሃገራት ብልቃጥ ክታበታት ክህባ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ንሳልሳይ እብረ ክታበት ዝተሓጽዩ ቀዳሞት ጉጅለ፡ እቶም ዓበይቲ ሰባትን፡ ኣብ እንዳ ዓበይቲ ዝሰርሑን ኮይኖም እታ ካልኣይቲ እብረ ክታበት ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝወሰዱ ክኾኑ እዮም።