https://norwaytoday.info/news/oslo-is-preparing-to-take-in-up-to-10000-ukrainian-refugees/
ብመሰረት ውሽጣዊ ሰነድ ምምሕዳር ከተማ ኦስሎ ካብ 5,000-10,000 ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ተዳልያ ኣላ። ክሳብ ሕጂ ዘለዋ ዓቕሚ ግና ን 2000 ጥራይ ምዃኑ ተመልኪቱ።
ክፍሊ ምዕባይን ፍልጠትን ቆንስል ከተማ ብ 11 መጋቢት ናብ ኤጀንሲ ትምህርቲ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ነዚ ከጣልል ምኽእሉ ኣቪዛ ኦስሎ ዝተባህለት ግዜጣ ጸብጺባ’ላ።
እተን ክፍሊታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንብዝሒ እቶም ስደተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈላለዩ ሴናርዮታት ኣዳልየን ምህላወን ኣብዚ ሰነድ ሙኒሲፓል ዳይረክተር ናይቲ ክፍሊ ሄግ ሰቫትዳል ሓቢሩ።
“ኲባንያታት ምምሕዳር ከተማ ካብ 75,000-100,000 ስደተኛታት ዩክሬይን ከም ዝኣትዉ እናሓሰቡ ዘድሊ ምድላው ክገብሩ ተሓቲቶም ኣለዉ። ምምሕዳር ከተማ ኦስሎ ከም ብጽሒኡ ካብ 5,000-10,000 ስደተኛታት ክቕበል እዩ”
ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ቆልዑን መንእሰያትን እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣማኻሪት ምውህሃድ ስደተኛታት ሪና ማርያን ሃንሰን ብሰኑይ ነታ ግዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኦስሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን 2,000 ስደተኛታት ጥራይ ክትቅበል ድልውቲ ምህላዋ ልዕሊ 90 ናይ ውልቀሰባት ከኣ ንስደተኛታት መንበሪ ኣዳልዮም ምህላዎም ወሲኻ ገሊጻ’ላ።