ካብ ርእሰ ከተማ ሽወደን: ስቶክሆልም: ናብ ርእሰ ከተማ ኖርዌይ: ኦሶሎ: መስመር ፈጣን ባቡር ንምዝርጋሕ ዝቐረበ ሓሳብ: ብወገን ኖርወይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ∷ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ: መንግስቲ ሽወደን : ብዛዕባ’ዚ ፕሮጀክይ ዘቕርቦ ውሳነ ጥራይ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።
ቅድሚ ገለ መዓልታት: ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ ኖርወይ: ሃገሩ ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ክትሳተፍ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ ኔሩ። “እንድሕሪ ነገራት ብጽቡቕ ተኻዪዱ እዚ ህንጸት ኣብ መፋርቕ 2030ታት ክጅመር እዩ” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እዚ ፕሮጀክት ጆናስ ካርልሰን ገሊጹ። “ሕጂ እታ ኲዕሶ ኣብ ኢድ መንግስቲ ሽወደን እያ ዘላ” ድማ ኢሉ።
ዛጊት ብዙሕ ክስገር ዘለዎ ጸገማት ኣሎና። ሓደ ካብዚ ናይ 63 ቢልዮን ክሮና ባጀት ምርካብ እዩ። እዚ ኣዝዩ ኣኽሳቢ ፕሮጀክት ባቡር ስካንዲናቭያ ክኸውን እዩ” ኢሉ ከም ዝኣምን እውን ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን ነዚ ፕሮጀክት ኣሉታዊ መልሲ እንተሂቡሉ ምስ ጐረቤት ሃገሩ ዘለዎ ዝምድና ክቖጺ ይደሊ ከም ዘሎ ክውሰድ ይኽእል እዩ ድማ ኢሉ’ሎ።