![Virus Outbreak Tourism](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2021/12/sdlQfTFhJU4D5I-nh-scaled.jpg)
pilgrimes walks to the Church of the Holy Sepulchre, where many Christians believe Jesus was crucified, buried and rose from the dead, in the Old City of Jerusalem (AP Photo/Maya Alleruzzo) VOT103
ብምኽንያት ምኽሳት ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና፡ ኦሚክሮን፡ እስራኤል፡ ን 14 መዓልታት ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትእግድ እያ።
ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ቫይረስ ናብ እስራኤል ከይኣቱ፡ ናይ ኮለላ ስርሒት ከተካይድ እያ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እገዳ፡ ብካቢነ እታ ሃገር ብምሉእ ድምጺ ምስ ጸደቐ ካብ ዝቕጽል ሰንበት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ኣብ እስራኤል፡ ዛጊት ሓደ ሰብ በዚ ሓደገኛ ለበዳ ጅር ኦሚክሮን፡ ተለኺፉ ምህላዉ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት። ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊስካ ካብን ናብን ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝግበር መገሻታት ኣጊደን ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።