ማዕበል ጅር ኦሚክሮን ኣብ መላእ ዓለምና የስፋሕፍሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ኮቪድ እትህብ ፋልመይቲ ሃገር ንምዃን ትቀራረብ ምህላዋ ተገሊጹ።
ክኢላታት ጥዕና እስራኤል፡ ንልዕሊ 60 ዝዕድሜኦም ሽማግለታትን ሰራሕተኛታት ጥዕና’ታ ሃገርን ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወሃብ ከም ዝግባእ ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ናፍታሊ በነት እውን ነቲ ውጥን ብሓጎስ ከም እተቐበሎን ሰብመዚ እታ ሃገር ድማ ነዚ ክዳለዉን ጸዊዑ’ሎ።
ትማሊ ሰሉስ ሓደ እስራኤላዊ ብ ጅር ኦሚክሮን ተለኺፉ ህይወቱ ድሕሪ ምሕላፉ እያ እታ ሃገር ኣብ ከምዚ ዝበለ ውሳነ በጺሓ ዘላ ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ እስራኤል ዛጊት 340 ዝኾኑ በዚ ጅር ዝተለኽፉ ሕሙማት ምህላዎም፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ገሊጹ። እዚ ራብዓይ ዙር ክትባት ናይ ምሃብ ውጥን፡ ብላዕለዎት ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ፍቓድ ክረክብ ትጽቦት እኳ እንተሎ፡ ሰባት፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክትባት ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ ራብዓይ ወርሖም እዚ ክትባት ክወስዱ ከም ዝፈቕደሎም ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር በነት ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።
እዚ ነቲ ንዓለምና ብፍጥነት ዝልብድ ዘሎ ማዕበል ኦሚክሮን ክንዓግት ዝገብረና ኣገዳሲ ዜና እዩ” ዝበለ ሚስተር በነት፡ ዜጋታት፡ ነዚ ክታበት ክወስዱ ምትሕብባር ከርእዩ ተላብዩ።