ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን፡ ንዝመጽእ ዓመት ባጀቱ ናብ 7 ቢልዮን ክሮና ሽወደን ክብ ክግበር ሓቲቱ’ሎ።
እዚ ሕቶ ዘቕረበሉ ምኽንያት፡ ኲናት ዩክሬይን ካብቲ ኣቐዲሙ እተቐመጠሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብዝያዳ ተናዊሑ ክቕጽል እዩ ዝብል ትጽቢት ብምህላዉ፡ በዚ ድማ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ንዝተናውሐ ግዜ ክጸንሑ እዮም ብዝብል ስነመጎት ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ ዓመት ኣስታት 55000 ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከኣ 15000 ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ እዮም ክብል ካብ ወቕቲ ኣየት እተረኽበ ትንበያ ኣመልኪቱ’ሎ።