ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና በብግዜኡ የዳልዎ ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ ብ ለበዳ ኮሮና ዘጋጠም ሞት ኣትሒቱ ክግምት ምጽንሑ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊዓ። መዓልታዊ ጸብጻብ ሞት ሕሙማት ኮሮና ብኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣቢሉ ኩሉ መዓልቲ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝወሃብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከም ዝግለጽ ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ። እንተኾነ ግና እቲ ንሳቶም መዓልታዊ ዝህብዎ ጸብጻባት ግጉይ ከም ዝኾኑን ብኡንብኡ ናብ ጸብጻብ ከም ዘይቀርብን ኣብ ገሊኡ እዋናት ክሳብ ሰሙናት ክድንጒዩ ምጽንሖምን ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። በዚ ድማ ትሑት ቊጽሪ ክጽብጸብ ምጽንሑ እቲ ዜና ወሲኹ ኣቃሊዑ።