ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ እተመዝገበ ውዑይ ሓጋይን ነቕጺን በረዳት ምምካኾምን፥ እዚ ተርእዮ ኣብታ ካብ
ዝተረፈ ክፋል ዓለም ብዕጽፊ እትመውቕ ዘላ ኣህጉር ኣውሮጳ ክድገም ከም ዝኽእል፥ ምክትታል ክሊማ ሕብረት ኤውሮጳ ትማሊ
ሓሙስ ገሊጹ።
ብሰንኪ ምልዋጥ ክሊማ ዓምናን ሃሩርን ክልተ ሲሶ ሩባታት ኤውሮጳ ትሕቲ ማእከላይ ደረጃ ከምዝወረዱን ሓሙሽተ ኪዩቢክ
ኪሎሜተር እምባ በረድ ካብ ኣልፓይን ከም ዝሓቐቐን “ኣገልግሎት ሓበሬታ ክሊማዊ ለውጢ ኮፐርኒከስ” ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ
ዓመታዊ ጸብጻቡ ገሊጹ። ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝፍኖ በካሊ ጋዝ ዓለምና እናሞቐት ኣብ እትኸደሉ ዘላ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥
ኤውሮጳ ካብ ዝተረፈ ዓለም ብዕጽፊ ትውዕይ ምህላዋ ኣሻቓሊ ተርእዮ ኮይኑ’ሎ።
ካብ 1950ታት ንደሓር ኣውሮጳ ኣብ 2022 ዝለዓለ ሃሩር ከምዘርኣየት ብሓገዝ ሳተላይት ኣብ መሬትን ባሕርን ጒዳይ ክሊማ
ዝከታተል ኮፐርኒከስ ገሊጹ። ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ 2022 ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ሙቐት ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ
ኣቐዲሙ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። "ናይ 2023 ንምትንባይ ኣሸጋሪ እኳ እንተኾነ ኣብ ከባቢ ኣየር ዘሎ ጻዕቂ በካሊ ጋዛት ኣብ
ግምት ብምእታው ዝያዳ ሃሩአ ዝበዝሐን ዓመታት ክህልዋ እየን ዝብል ግምት ኣሎና" ትብል ምክትል ዳይረክተር “ኣገልግሎት
ሓበሬታ ክሊማዊ ለውጢ ኮፐርኒከስ” ሳማንታ በርገስ።
ዓለማዊ ሙቐት ኣብ 2022 ካብቲ ቅድሚ ኢንዱስትሪ ዝነበረ ብ ማእከላይ ገምጋም ብ 1.15ºC ከም ዝልዕል ውድብ
ሜትሮሎጂ ዓለም ይሕብር። እዚ ይዂን’ምበር፥ ኤውሮጳ ኣብ 2022 ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዝለዓለ መጠን ጸርጊ ጸሓይ ከም
ዝረኸበት፥ እዚ ድማ ንፍርያት ተሓዳሲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጸጋ ምዃኑ “ኮፐርኒከስ” ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።