ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (CHMP) ንኽልተ ሓደሽቲ መድሃኒታት ናይ ኮቪድ ኣብ ስራሕ ንኽውዕሉ ፍቓድ ሂቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ’ውን ንኻሊእ ብፋይዘር ዝባሃል ትካል ዝፈረየ ፓክስሎቪድ (Paxlovid) ተባሂሉ ንዝጽዋዕ መድሃኒት ፍቓድ ሂቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ካብቶም ሓደሽቲ መድሃኒታት እቲ ሓደ፡ ኦርፋን ባዮቪትሩም (Swedish Orphan Biovitrum) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ሽወደናዊ ትካል ፋርማቻ ዝፈረየ ኾይኑ ኪነረት (Kineret) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ከም ድልየት CHMP እንተድኣ ኾይኑ እዚ ኪነረት ዝባሃል መድሓኒት፡ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ጸገም ንዘለዎምን ናይ ኦክስጅን ሓገዝ ንዘድልዮምን ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ሕሙማት ናይ ኒዩሞንያ (ነድረ-ሳምቡእ) ንክዋሃብ ይመክር።
እቲ ኻልኣይ መድሓኒት ዜቩዲ (Xevudy) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ብግላክሶስሚዝክላይንን ቪር ባዮቴክኖሎጂን (GlaxoSmithKline and Vir Biotechnology) ብዝባሃሉ ትካላት ዝፈረየ እዩ። እዚ ድማ ንመንእሰያትን ንዓቕሚ-ኣዳም ንዝበጽሑን ሓዊሱ ናይ ኦክስጅን ሓገዝ ንዘየድልዮም ኮምኡ ድማ ኩነታት ጥዕኖኦም ናይ ምግዳድ ሓደጋ ንዘይተሳጥሑ ሕሙማት ክዋሃብ ዝምከር መድሓኒት እዩ።
ኮሚሽን ኣውሮጳ ብዛዕባ እዞም መድሓኒታት ኣመልኪቱ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ከምዘታሓላልፍ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ EMA ነተን ኣባል ሃገራት ናይ ፊዘር ትካል ውጽኢት ንዝኾነ ፓክስሎቪድ ከኒና ንናይ ኮቪድ 19 ሕሙማት ኣብ ህጹጽ እዋን ዝዋሃብ መድሓኒት ኮይኑ ንኸገልግል ፍቓድ ከምዝሃበ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
“እዚ ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ገና ኣፍልጦ ዘይተዋህቦ መድሓኒት፡ ተወሳኺ ናይ ኦክስጅን ሓገዝን ንዘየድልዮም ንትአጋደደ ሕማም ክጋለጹ ንዝኽእሉ ንዓቕሚ-ኣዳም ንዝበጽሑ ሕሙማት ክዋሃብ ይኽእል እዩ” ክብል EMA ኣብዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።
ፓክስሎቪድ፡ ሕሙማት ናብ ሓኪም ምኻድ ከየድለዮም ብገንኡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክውሰድዎ ዝኽእሉ ናይ መድሓኒት ዓይነት ብምዃኑ እዚ ድማ ነዚ ኣብ ሙሉእ ዓለም ተጋዊሑ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ንምእላይ ኣብዝግበሩ ጻዕሪታት ዓቢ ሓጋዚ ዕድል ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።