ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካቡል: ዝሰርሓ ዝነበራ ደቀንስትዮ ደጊም ክወፍራ ከም ዘይፍቀደለን ተገሊጹ። ደቀንስትዮ ነቲ ብደቂ ተባዕትዮ ክስራሕ ዘይክእል ስርሕ ጥራይ ክዓማ ከም እተደንገገ: ከንቲባ ካቡል: ሓምዱላህ ናሞኒ: ንወኪል ዜና AP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣማራጺ ስለ ዘይብልና ጥራይ ብሰብኡት ክትክኡ ዘይክእሉ ኣብ ዝበልናዮም ጽፍሒታት ደቀንስትዮ ዕማመን ክፍጽማ ኣፍቂድናለን ኣለና ክብል ናሞኒ ወሲኹ ኣብሪሁ።
ጣሊባን ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ቅድሚ ምርካቦም: ሓደ ሲሶ ካብ ጠቕላላ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ ካቡል ብደቀንስትዮ ይዕየ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ብሰንበት ዝወጸ ትእዛዝ: ዘይከም ዝኣተዉዎ መብጽዓ: ጣሊባን ካብ ጽንኲር ኣተረጓጒማ እስላምዊ ሕጊ ከም ዘይወጹን ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት: ጣሊባን ሓደስቲ ሕጊታት ከም ዘተኣታትዉን ብመሰረት እዚ ደቂተባዕትዮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ደቀንስትዮ ድማ ምሉእ መሸፈኒ ወድየንን ተፈልየንን ብደቀንስትዮ መማህራን ክእለያ ከም እተገብረ ተገሊጹ።
ብዓርቢ: ሚኒስተሪ ጒዳያት ደቀንስትዮ ካቡል ተዓጽዩ: ብሓድሽ ሚኒስትሪ ከም እተተክአን እቲ ዝጸንከረ ሕጊታት ዳግም ክበራበር ከም እተገብረን ድማ ተሓቢሩ።